ኵሎም እቶም 4 ክታበታት፣ ኣብ UK ከምኡዉን ኣብ መላእ ዓለም፣ ኣብ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተፈቲኑ ኢዩ ከምኡዉን ጽኑዕ ኣህጉራዊ ድሕንነት፣ ብሉጽነትን ውጽኢታውን መዐቀኒታት ምእንቲ ኸማልኡ ኸኣ በቲ ናጻ ዝዀነ ስርዓታዊ ትካል መድሃኒትን ፍርያት ክንክን ጥዕናን (MHRA) ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ።
ናይ ክታበት ማዕከናት፣ ን1ይ፣ 2ይ ወይ ንቦስተር ትመጽእ ምህላዉካ ብዘይገድስ፣ ንኹሉ ሰብ ክፉታት እዮም። ክትክትብ ግዜ ኣይኣኸለን።
ናይ ነጻ ክታበትካ ቖጸራ ሓዝኩሎም ካብ 12ን ንላዕልን ዝዕድሚኦም ቈልዑ ከምኡዉን ገለ ቆልዑ 5-11 ዝዕድሚኦም ቀዳማይ ዓቐን ናይቲ COVID-19 ዝበሃል ክታበት ድሕሪ 12 ሰሙን ከኣ እቲ ካልኣይ ይወሃቦም ኣሎ። ውሉድካ ቘጸሮ ኺገብር ብቑዕ እንተ ዀይኑ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ኣገልግሎት NHS ክረክበካ እዩ።ነቶም እንተ ወሓደ ቅድሚ 3 ወርሒ 2ይ ዓቐን መድሃኒት ዝወሰዱ ደቂ 16ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቆልዑ መጠናከሪ ይወሃቦም ኣሎ።
ወለዲ ወይ ኣለይቲ ቕድሚ ዉላዶም ምኽታቡ ፍቓዶም ክሕተቱ እዮም። ደቆም መዓስ ክኽተቡ ምኻኖም ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳበ ክወሃቡ ኢዮም። መብዛሕትኦም ቈልዑ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ፍቓድ ምስ ዝህቡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክታበት ይወሃቦም እዩ ይኹን እበር ናይ ዉላድካ ክታበት ብኦንላይን ቖጸሮ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ፍለጥኣብ ዝኾነ ግዜ ቖጸራኻ ብኢንተርነት ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።
16ን ልዕሊኡን ምስ እትኸዉን፣ ብዘይቖጸሮ ክትመጽእ ትኽእል። ምስ GP ምምዝጋብ ወይ ዝኾነ ታሴራ ምምጻእ ኣየድልየካን።
ነዚ ኣገልግሎት እዚ ምእንቲ ክትጥቀመሉ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ መጥባሕቲ GP ክትምዝገብ ኣለካ። እንተዘይብልካ ምስ GP ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።
ንስኻ ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ሰባት ብጥዕናዊ ምኽንያት ነቲ ክታበት ክወስዱ ዘኽእሉ ከም ዘይኰንካ ንምርግጋጽ፣ ብዛዕባ ታሪኽ ሕክምናኻ ገለ ሕቶታት ክትሕተት ኢኻ።
ቐጺልካ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምካ ናይ ክታበት መርፍእ ክትወስድ ኢኻ (ኣየነይቲ ኢድ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ)። ን 1-2 ካሊኢታት ዝጸንሕ ንእሽተይ ናይ ጦሾቕ ስሚዒት ኣለዎ።
እቲ ክታበት ምስ ወሰድካ ን15 ደቓይቕ ክትጽበ ክትሕተት ትኸውን ኢኻ። ድሕሪ ምኽታብካ እንታይ ክትጽበ ኸም ዘለካ እትገልጽ ምሳኻ ናብ ቤትካ እትወስዳ ጽሕፍቲ እውን ክትወሃበካ ኢያ።
ብዛዕባ ክታበታት COVID-19 ብተደጋጋሚ ዝሕተት ሕቶታት ኣኪብና ኣለና። ሕቶኻ ኣብዚ ክትረኽቦ ምስ ዘይትኽእል፣ ምሳና ተራኸብ።
ክታበታት ንስርዓተ ምክልኻል ኣካላትካ ዘይጎድእ ዓይነት ቫይረስ ብምጥቓም የሰልጥኖ። እቲ ክታበት ንስርዓተ ምክልኻል ኣካላትካ የበራብሮ።
ልዕሊ 16 ዓመት ዕድሚኡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣንጻር COVID-19 ምሉእ ብምሉእ ተኸቲቡ ክብሃል እንተ ወሓደ 2 ዓቐን መድሃኒት ክወስድ ኣለዎ።
ተላባዕቲ ሕማማት መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊሉ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፉ እዮም ከምኡዉን ብምልኦም ማሕበረሰባት ብቕልጡፍ ክልከፉ ይኽእሉ እዮም። እኹል መጠን ማሕበረሰብ ብክታበት እንተ ተዓቚቡ፣ ቍጽሪ እቶም በዚ ሕማም እዚ ክልከፉ ዝኽእሉ ሰባት ኣዝዩ ዉሑድ ስለ ዝዀነ እቲ ሕማም ንኽላባዕ የጸግሞ።
ኣይፋል። እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ንኽትጥቀመሉ ተፈቒዱ ዘሎ ናይ COVID-19 ክታበት ፍርያት እንስሳታት ዝሓዘ ኣይኰነን።
ኣይፋል።
ክሳብ ካብ COVID-19 እትሓዊ ነቲ ክታበት ክትወስዶ የብልካን።ናይ COVID-19ፖዘቲቭ መርመራ ኻብ እትገብር ወይ ምልክታት ሕማምካ ኻብ ዝጅምር ድሕሪ 28 መዓልቲ መጠናከሪካ ክትወስዶ ትክእል ኢካ፡፡
ነዊሕ ኮቪድ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤናት COVID-19፣ ገሊኦም ሰባት እቲ ረኽሲ ምስ ተወገደ ንሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ዝኣክል ምልክታት ዘለዎም ንምግላጽ ዘገልግል እዩ። እዞም ብነዊሕ ኮቪድ ዝሳቐዩ ዘለዉ ክታበት COVID-19 ክወስዱ እኽእሉ እዮም ከምኡዉን ተወሳኺ ረኽሲ ንኸይህልዎም ክከላኸለሎም ይኽእል እዩ።
እወ፣ ዝበለጸ፣ ዝነዉሐ ዕቑባ ካብ COVID-19 ንምርካብ ክልተ ዓቐን ክታበታት Pfizer/BioNTech፣ Moderna ከምኡዉን AstraZeneca/Oxford የድሊ እዩ።
ንዅሎም ነበርቲ ዓለም ክትከላኸለሎም እንተድኣ ዄንካ ነቲ ለብዒ ንምቍጽጻር ን COVID-19 ዝኸውን እተፈላለየ ክታበታት ኣድላዪ ኢዩ፣ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዓቐን መድሃኒት ክዳሎ ኣለዎ። እዚ ክብጻሕ ዘለዎ ዕድል ብዙሕ ክታበት COVID-19 ብምስራሕ ኢዩ።
ዝዀነ ይኹን ክታበት ንህዝቢ ቕድሚ ምሃቡ ብብዙሕ ፈተናታት ክሓልፍ ኣለዎ። ከም ኩሉ መድሃኒታት፣ ክታበታት ብሰፊሕ ክሊኒካዊ ፈተናታት ይሓልፍ እዩ፣ ኣብ ጕጅለ ወለንተኛታት ድማ ይዉሃብን ይምርመርን። ኣብ UK፣ ውጽኢት ናይቶም ፈተናታት ብ ስርዓታዊ ትካል ሕክምናን ክንክን ጥዕናን (MHRA) ይግምገም።
ኣይፋል። ኵሉ ንድሕንነት ዝምልከት መዐቀኒታት ኣብ ምፍራይ ክታበት COVID-19 ኣብ ግዜ ክሊኒካዊ ፈተናታት ተኸቲሉ እዩ ከምኡዉን ልክዕ ከም ናይ ኩሉ ክታበት ወይ መድሃኒት እቲ ጽኑዕ ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙሉ ኢዩ።
እቲ ክታበት ናይ COVID-19 ፍርያምነት ከም ዝጐድእ ወይ ናይ ምጥናስ ኣጋጣሚ ከም ዝንኪ ዝሕብር መርትዖ የለን። ዋላኳ ተሳተፍቲ ክሊኒካዊ መርመራ ንኸይጠንሱ እንተ ተሓተቱ፣ ኣብተን ክሳዕ ሕጂ ኣብ UK እተፈቕደ ሰለስተ ክታበታት እተሳተፉ 57 ጥንሲ ኣጋጢሙ
ብዙሓት ሰባት ክታበት ፍሉ ክወስዱ ዚኽኣሉ ነቲ ናይ ክታበት COVID-19 መበራትዒ ክወስድዎ እውን ኪኢሎም እዮም። ክልቲኡ ክታበታት ምስ ዝቕረበልካ ኣብ ሓደ ግዜ ክትወስዶም ዉሑስ እዩ።
እቲ ናይ ፍሉ ክታበት ዓመታዊ ነቶም ከቢድ ሕማም ብፍሉ ክሓሙ ዝኽእሉ ሰባት ንምዕቋብ ኣብ NHS ይወሃብ እዩ። ክትወስደሉ እትኽእል ኣብ ቀውዒ ወይ ኣብ መጀመርታ ሓጋይ ፍሉ ቕድሚ ምዝርጋሑ ዝበለጸ እዋን እዩ።
እቲ ናይ ፍሉ ክታበት ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ፦
COVID-19 ሓሚምካ እንተነይርካ፣ ነቲ ክታበት ናይ ፍሉ ምዉሳድ ውሑስ እዩ። ነቲ ፍሉ ንምክንኻን ውጽኢታዊ እዩ።
If you’ve had COVID-19, it’s safe to have the flu vaccine. It will still be effective at helping to prevent flu.
ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን እቲ ክታበት ክከላኸለሉ ዝኽእል እናነከየ ይመጽእ፣ መድሃኒት ቡስተር ነቲ ካብተን ናይ መጀመርታ 2 ዓቐን መድሃኒት ዝነበረካ ዕቝባ የመሓይሾ። መድሃኒት ቡስተር ካብ COVID-19 ከቢድ ሕማም ንከይትሓምም ነባሪ ዕቝባ ይዀነካ።
ልክዕ ከም ኵሉ መድሃኒታት፣ ክታበት COVID-19 ጐዳኢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ዝመጾ ከምኡዉን መብዛሕትኦም ጐዳኢ ሳዕቤናት ከኣ ፈኮስቲ እዮም ከምኡዉን ካብ ሰሙን ንላዕሊ ክቕጽል የብሉን ንኣብነት፦
ናይ ቓንዛ መድሃኒት ከም ፓራስታሞል እንተደሊኻ።
ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ክታበታት COVID-19 ቪድዮን ካልእ ምንጭታትን ሓዊስካ